ኮሚቴ መማኸርቲ ኣባላት ቦርድ ሕብረት ንመረፃ ንምምልማል ዝቐረበ ፃውዒት

ሕብረት ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ንመረፃ (ሕብረት ንመረፃ) ልዕሊ 190 ኣባል ትካላት ዝሓቆፈ ንትርፊ ዘይተጣየሸን መንግስታዊ ዘይኮነን ናይ ሲቪል ማሕበራት ውድብ እዩ። እቲ ሕብረት ካብ ፌዴራላት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ብ2011 ዓ/ም ብመሰረት ኣዋጅ ውድባት ሲቪል ማሕበራት ቁፅሪ 1113/2011 ብቑፅሪ ምዝገባ 4748 ካብ በዓል መዚ ውድባት ሲቪል ማሕበራት (ACSO) ፍቓድ ረኺቡ። እቲ ውድብ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ውድባት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ኣብ ምክትታል መረፃ፣ ኣብ ትምህርቲ ስነ-ዜጋን መረፅትን፣ ምክልኻል ጎንፅታት መረፃን ንኣባላቱ ዓቕሚ ንምህናፅን ዘለዎም ግደ ንምዕባይን ንምትሕብባርን እዩ።

እቲ ሕብረት ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ጀሚሩ ብ2011 ዓ/ም ህዝባዊ ውሳነ ክልል ሲዳማ፣ ብ2013 ዓ/ም ሓፈሻዊ መረፃታት (21 ሰነ 2013 ዓ/ም ከምኡውን 30 መስከረም 2014 ዓ/ም)፣ ብ2013 ዓ/ም ህዝባዊ ውሳነ ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ብ2015 ዓ/ም ዳግማይ ህዝባዊ ውሳነ ደቡብ ኢትዮጵያን ዞባ ወላይታን፣ ከምኡውን ብ2016 ዓ/ም ኣብ ገለ ክፍልታት ክልላት ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ዓፋር፣ ማእኸላይ ኢትዮጵያን ሶማሌን ዝተኻየዱ ዝተረፉን ዳግማይ መረፃታትን ተዓዚቡ እዩ። ብተወሳኺ ሕብረት ንመረፃ ዝተፈላለዩ ናይ ኣድቮኬሲን ስነ-ዜጋ ትምህርቲ ንጥፈታትን ብምክያድ ዴሞክራሲያዊ ትካላትን ተሳትፎ ዜጋታትን ንምጥንኻር ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ገይሩ እዩ።

እቲ ሕብረት ንዝመፅእ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ምክትታል መረፃ ሞያዊ ምኽሪ ንምርካብ ናይ ቴክኒክ መማኸሪ ኮሚቴ ኣብ ናይ ምጥያሽ ከይዲ ይርከብ። እዚ መማኸሪ ኮሚቴ ንቦርድ እቲ ሕብረት ትክክለኛ፣ ዘይሻራዊን ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎን ምክትታል መረፃ ንምርግጋፅ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ናይ ቴክኒክ ምኽሪ፣ ትንተናን ገምጋም ስግኣትን ዘቕርብ ቀዋሚ ኮሚቴ ክኢላታት ኮይኑ የገልግል። እቲ ኮሚቴ ኣብ ጋናን ኬንያን ካብ ዝርከቡ ናይ ሕብረት ንመረፃ መዛኑ ጉጅለታት ተዓዘብቲ ዜጋታት ዘለዎም ተመሳሳሊ ልምዲ ብምብጋስ ሪፖርትታት ብምግምጋም፣ ኣብ ሕግን ስግኣታት ድሕንነትን ብምምኻርን ፍፃመታት መረፃ ብምትንታን ናይቲ ሕብረት ትዕዝብቲ መረፃ ተኣማኒ ከም ዝኸውን ይገብር።

ሕብረት ንመረፃ ንኣባልነት እዚ ኮሚቴ ብቑዓት ዝኾኑ ውልቀሰባት (ዓርስኻ ሓዊስካ) ንምምልማል ንኩሎም ዜጋታት፣ ውድባት ሲቪል ማሕበራት፣ ትካላት ትምህርትን ናይ ሞያ ማሕበራትን ፃውዒት የቕርብ። እዚ ህዝባዊ ፃዊዒት ሞያዊ ብቕዓት፣ ቅንዕናን ብዝሃነት ኢትዮጵያን ዘንፀባርቕ ንውክልና ቀዳምነት ዝህብ ዝተፈላለየን ኣብ ብቕዓት ዝተሰረተን መስርሕ መረፃ ን ምርግጋፅ ዝዓለመ እዩ።

ኣሰራርዓ መማኸሪ ኮሚቴ 

እቲ ኮሚቴ ሽዱሽተ (6) ኣባላት ክህልውዎ እንከለዉ፣ ካብዞም ዝስዕቡ ዓውድታት ሓደ ክኢላ ይምረፅ፡-

  1. ሕጊ (ሕጊ መረፃ፣ ሕጊ ሕገ መንግስቲ ወይድማ ናይ ሰብኣዊ መሰላት)
  2. ፖለቲካል ሳይንስ (ትንተና ፖለቲካ፣ ጎንፅን መስርሕ መረፃን)
  3. ስታቲስቲክስ (ስታቲስቲክስ፣ ትንተና ዳታ)
  4. ቴክኖሎጂ ሓበሬታ (ዲጂታል ድሕንነት፣ ቴክኖሎጂ መረፃ ወይ ስርዓታት ዳታ)
  5. ጋዜጠኝነትን ኮሙዩኒኬሽንን (ስትራቴጂክ ኮሙዩኒኬሽን)
  6. ገምጋም ስግኣት ድሕንነት (ትንተና ጎንጺ ወይ መምርሒታት ድሕንነት)

ረቛሕታት ኣባልነት 

ሕፁያት እዞም ዝስዕቡ መበገሲ ረቛሕታት ከማልኡ ይግባእ፡-

  • ካብቶም ዝተጠቐሱ ዓውድታት ብሓዲኡ ዲግሪ ክህልዎም ይግባእ።
  • ኣብ ዓውዲ ሞያኦም እንተወሓደ ሓሙሽተ (5) ዓመት ናይ ስራሕ ልምዲ ክህልዎም ይግባእ።
  • ንመትከላት ዴሞክራሲ፣ ዘይሻራውነትን ወገንተኝነት ዘይብሉ ቅዋምን ምርኣይ (ኣብ መስርሕ መረፃ ካብ ዝሳተፉ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሕፁያት ኮነ ምስ ዝኾኑ ወገናት ርክብ ዘይብሉ)።
  • ፅኑዕ ናይ ስነ-ምግባር ስታንዳርድታት፣ ምስ ዘይሻራውነትን ተኣማኒነትን ዝተኣሳሰር ባህሪ ዘለዎ።

ብዝሃነት ኢትዮጵያ ንምንፅብራቕ ብፆታ፣ አካል ጉድኣት፣ ብሄር ንምሕዋስ ፃዕሪ ክግበር እዩ። ኣባላት ንኽልተ ዓመት ብዘይ ምንም ክፍሊት ብወለንታ የገልግሉ።

ሕፁይ ከመይ ጌርካ ምቕራብ ይከኣል? 

ኣባል ንምጥቋም (ወይ ዓርስኻ ንምጥቋም) እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ምእታው የድሊ፡-

  • ዓርሶም ንዝጠቁሙ አመልከቲ ብቕዓቶም፣ ልምዲኦምን ተዛመድቲ ዓወታቶምን ዘርኢ ናይ ስራሕ ልምዲ (CV)።
  • ውፉይነቶም፣ ሞያዊ ፍልጠቶም ምስ ልኡኽ ሕብረት ንመረፃ ከመይ ከም ዝሰማማዕን ንደሞክራሲያዊ መስርሕ መረፃ ዘለዎም ተወፋይነትን ዝገልፅ ናይ ድሌት መግለፂ (1 ገፅ)።
  • ካልእ ሰብ ትጥቁሙ እንተኾይንኩም፣ ብዛዕባ እቶም ሕፁያት ዘድሊ ሓበሬታታት፤ ከምኡውን ስለምንታይ ነቲ ረቛሕታት የማልኡ እዮም ኢልኩም ከም እትኣምኑ ዝገልፅ ሓፂር መግለፂ ምሕዋስ።

መመልከቲታት ብኢሜል ብ info@cecoe.org (ወይ ብዌብሳይትና ናይ መእተዊ ቅጥዒ ወይ https://cecoe.org/job-openings/ ክለኣኹ ይግባእ። 

ጠቆምቲ ኣብ ዝጥቁሙሉ ናይቲ ኢሜል ዋኒን “ሕፁይነት ንመማኸሪ ኮሚቴ” ብምባል ነቲ ዝተወሰነ ዓውዲ ክገልፁ ይግባእ።

መመልከቲታት ንምእታው ናይ መወዳእታ መዓልቲ፦ 28 ለካቲት 2018 ዓ/ም 

ደንግዮም ዝመፁ መመልከቲታት ተቐባልነት ኣይህልዎምን።

ከይዲ መረፃ 

ኩሎም ሕፁያት ብሉፅን ኣብ ብቕዓት ብዝተመስረተን ገምጋም ክሓልፉ እዮም፡-

  1. ዝተሓተ ረቛሕታት ምምልኡ ንምርግጋፅ ብሴክሬታሪያት ሕብረት ንመረፃ ዝግበር ናይ መጀመርታ ደረጃ ምፅራይ።
  2. ቃለ-መሕተታት ወይ ናይ ምፅራይ ፃዊዒታት ክሓውስ ብዝኽእል ናይ ምፅራይ ንኡስ ኮሚቴ ዝግበር ገምጋም።
  3. ናይ መወዳእታ ለበዋ ንቦርድ ሕብረት ንመረፃ ቀሪቡ ይፀድቕ። 

ዝተመርፁ ኣባላት ክሳብ 31 መጋቢት 2018 ዓ/ም ይንገሮም።

ስለምንታይ ይሳተፉ? 

ክኢላታት ብምጥቋም ዴሞክራሲያዊ ከይድታት ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ይሕግዙ። እቲ መማኸሪ ኮሚቴ ንተኣማኒነት መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣስተዋፅኦ ብምግባር፣ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ዝጠቅም እዋናውን ሞያውን ትዕዝብቲ ብምርግጋፅ ወሳኒ ግደ ይፃወት።

ንሕቶታት ወይ ንተወሳኺ ሓበሬታ፣ ንሴክሬታሪያትና ብ info@cecoe.org ይርከቡ።

ሕብረት ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ንመረፃ (ሕብረት ንመረፃ) 

ኣዲስ ኣበባ፤ ኢትዮጵያ 

 2 ለካቲት 2018 ዓ/ም